ብግጭት ድዩስ ብሓደጋ ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት፡ ከም መስመርን መርበብን ተሌፎን፡ ኣገልግሎት ፖስታ ከምኡ`ውን ኢንተርነት ናይ ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ምዝባዕ ክህሉ ንቡር እይ። ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፉ መልእኽትታት፡ ነዞም ብኸም`ዚ መልክዕ ዝተጸልዉ ከባቢታት ምስ`ቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ንምርኻብ፡ ዳግማይ ርክብ ኣብ ምምስራት ሓገዝቲ እዮም።
ቀይሕ መስቀል ሻርነታዊ ጸግዒ ዘይሕዝ ውድብ ብምዃኑ፡ ካልኦት ትካለ-ውድባት ክኣትዋኦም ኣብ ዘይፍቀዱለን ብግጭት ድዩስ ብሓደጋ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ክንቀሳቐስ ይፍቀደሉ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ሻርነታዊ ዘይምሓዝ ክበሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ከአንግዶም ዝከኣልን ዘይከኣልን ትሕዝቶታት ብዝምልከት ገለ ተረርቲ ሕጋጋት ኣለዉ ማለት`ዩ። ኣብ ገለ ኵነታት፡ ንኣብነት ተቐባሊ መልእኽቲ ኣብ ቀይዲ ምስዝህሉ፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ነቲ መልእኽቲ ከንብብዎ ምዃኖም ኣይትረስዑ።
ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ነዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ትሕዝቶታት ከአንግድ ዝከኣል እዩ፦
ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ነዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ትሕዝቶታት ከአንግድ ኣይከኣልን እዩ፦
አልእኽቲ ንምስዳድ እንተወሓደ ናይ`ቲ ዝቕበሎ ሰብ ስምን ምሉእ ኣድራሻን ክህልወኩም የድሊ። እዚ ምሉእ ሓበሬታ እዚ መስርሕ ጠለብ ድልያ ደሃይ ከተበጋግሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ክትልእኩ ደሊኹም ? ተወከሱና