ብሰንኪ ባህርያዊ ወይ ሰብ-ሰርሖ ሓደጋታት ዝጠፍእ ደሃይ

እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ ?

ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ-ብዙሓን ድዩስ ካብ ሰብ ብዝረኸብኩሞ ኣድራሻ ወይ 'Trace the Face' ብዝብል ፍሉይ ነቝጣ መርበብ ኣቢልኩም ደሃይ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ሃሰው ክትብሉ ትኽእሉ። 

መስርሕ ድልያ ጀምሩ

ብኸመይ ክንሕግዘኩም ንኽእል ?

ኣብ መስርሕ ምድላይ ናይ'ቶም ብሰንኪ ባህርያዊ ድዩስ ሰብ-ሰርሖ ሓደጋ ዘጥፍኡ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ክንተሓጋገዘኩም ንኽእል ኢና። እዚ ኣገልግሎት እዚ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኩሉ ንዓኹም ዝምልከት ሓበሬታ ብስቱር መልክዕ እዩ ዝተሓዝ። ካባኹም ንጹር ፍቓድ ምስተረኽበ ጥራይ ኢና - -. ምርካብ ደሃይ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ኣብ ትሕቲ ዝብል ዕላማ፡ ምስ ዝምልከተን ናይ ቀይሕ መስቀል ወይ ካልኦት ውድባት ክንካፈሎ እንኽእል።

ንመስርሕ ምድላይ ደሃይ ናይ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ንምብግጋስ፡ ነዚ ቀጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅደም-ተኸተል ተጠቐሙ፦

  1. ቈጸራ ንምሓዝ ተወከሱና።
  2. ኣብ ዝተመደበልኩም ግዜ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈትና ብኣካል ቅረቡ።
  3. ኣድላዪ ዘበለ ሓበሬታ ሃቡና፤ ከምኡ`ውን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ቅጥዕታት መሊእኩም ክታምኩም ኣንብሩሎም።

ቈጸራ ሓዙ