ብዛዕባ Rétablir les liens familiaux

ዓመታዊ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ኲናት፡ ብረታዊ ግጭት፡ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ስደት ደሃይ ሓድሕዶም ይስእኑ። ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ብዛዕባ ናይ ዝዀነ ይኹን ደሃይ ዘጥፍአ ቤተ-ሰቡ ሃለዋታዊ ሓበሬታ ንኽረክብ መሰል ኣለዎ።

ኣገልግሎት "Rétablissement des liens familiaux" (ዳግመ-ምምላስ ርክባት ስድራ-ቤታት) ብማሕበር ቀይሕ መስቀል ፍላንደርስ ናይ ቢልጅዩም ዝወሃብ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ደሃይ ንዘጥፍኡ ኣባላት ቤተ- ሰብኩም ንምርካብ ኰነ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ዳግማይ ርክብ ንምምስራት ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ሓገዝ ይገብር። ምስ ዓለም-ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ንሰርሕ። እዘን ትካላት እዚኣተን፡ ካብ መላእ ዓለም ደሃይ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ዘኽእለን ነናይ ገዛእ-ርእሰን ፍሉይ ተልእኾኣዊ ዕማምን ርክባዊ መርበብን ኣለወን።

Rétablissement des liens familiaux ብዛዕባ እቲ ኣብ በልጅዩም ናይ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ደረጃ ንዘለዎም ሰባት ዚወሃብ መስርሕ ስድራቤት እንደገና ንምሕባር ዚግበር መስርሕ በልጅዩም ሓበሬታ ይህብ

Rétablissement des liens familiaux ብዘይ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ከምኡ'ውን ኣብ ዞባታት ኲናት ምስ ዝነጥፉ ፍሉያት ልኡኻት ብምትሕብባር እንሰርሓሉ እዩ። ውልቃዊ ሃለዋትን ባህላዊ ኣተራጕማን ናይ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵላቶም ዝቐርቡ ጠለባት ከም ምስጢራት እዮም ዝረኣዩ። ትካል ቀይሕ መስቀል ካብ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ኣቐዲሙ ንጹር ፍቓድ ክሳብ ዘይረኸበ፡ ንውልቃዊ ሓበሬታ ምስ ሳልሳይ ኣካል ብፍጹም ኣይካፈሎን እዩ።

Rétablissement des liens familiaux ኣብ'ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ መዳያት ይሕግዘኩም፦