Rétablissement des liens familiaux - ንስድራ-ቤታትኩም ንምሕጋዝ
Rétablissement des liens familiaux (ዳግመ-ምምላስ ርክባት ስድራ-ቤታት)፡ ብቤልጅዩማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፍላንደርስ ዝወሃብ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ናጻ ዝዀነ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ኣካል ልክዕ ከም ኩሉ ትሕቲ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀል ዝጥርነፍ ካልእ ኣካል፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሻርነታዊ ዝንባለ ናጻ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት ቀይሕ ቀይሕ ወርሕን፡ ከምኡ'ውን ናብ ዞባታት ኲናታዊ ዝለኣኹ ፍሉያት ጕጅለታት ይነጥፍ። ባህላዊ ድሕረ-ናይ'ቶም ዝምልከቶም ውልቀ-ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵላቶም ናብ'ዚ ትካል እዚ ዝቐርቡ ጠለባት/ሕቶታት ከም ምስጢር እዮም ዝውሰዱ። ትካል መስቀል ብዓቢኡ፡ ኣቐዲሙ ካብ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ንጹር ፍቓድ ክሳብ ዘይተዋህቦ፡ ንዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ ሳልሳይ ኣካል ኣየቃልዕን እዩ።